ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 3 ዜጋታት ካብ ኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 3 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6576 በጺሑ’ሎ። 6,487 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 35 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 54 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
06 ነሓሰ 2021