Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡብን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 13 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚኣቶም፡ 7 ኣብ ዞባ ደቡብ ማለት – 5 ኣብ ዓዲ-ቐይሕ፡ ሓደ ኣብ ድባርዋ፡ ሓደ ድማ ኣብ መንደፈራ፣ ከምኡ’ውን 6 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 5 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6589 በጺሑ’ሎ። 6,492 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 35 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 62 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

09 ነሓሰ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More