ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 4 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
እዚኣቶም፡ 3 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ማለት – 2 ኣብ ኦምሓጀር፡ ሓደ ኣብ ኣዲባራ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 12 ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ 4 ድማ ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብጠቕላላ 16 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6593 በጺሑ’ሎ። 6,514 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 36 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 43 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
11 ነሓሰ 2021