ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ 5 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ማለት 3 ኣብ ግርማይካ፡ 2 ድማ ኣብ ኣዲባራ፣ ከምኡ’ውን 2 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 4 ካብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓደ ድማ ካብ ዞባ ማእከል – ብጠቕላላ 5 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6618 በጺሑ’ሎ። 6,551 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 37 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 30 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
19 ነሓሰ 2021