Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ጋሽ-ባርካን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 3 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ ሓደ ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፡ ሓደ ኣብ ግርማይካ – ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ሓደ ድማ ኣብ ዓዲ-ተከሌዛን ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ዝጸንሑ 5 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6623 በጺሑ’ሎ። 6,565 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 37 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 21 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

 22 ነሓሰ 2021

 

 

 

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More