Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ ካብ ኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 5 ካብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓደ ድማ ካብ ዞባ ማእከል፡ ብጠቕላላ ሽድሽተ ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6636 በጺሑ’ሎ። 6,587 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 37 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 12 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

 26 ነሓሰ 2021

 

 

 

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More