ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ ካብ ኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ’ሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 4 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6648 በጺሑ’ሎ። 6,601 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 38 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 9 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
05 መስከረም 2021