ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 3 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም፡ 2 ኣብ ኣፍዓበት – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሓደ ድማ ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 4 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ጓል 60 ዓመትን ወዲ 69 ዓመትን ካብ ዞባ ማእከል ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6651 በጺሑ’ሎ። 6,605 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 40 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 6 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
07 መስከረም 2021