ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ጋሽ-ባርካን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 3 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም፡ ሓንቲ ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ ሓደ ኣብ ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ ሓደ ድማ ኣብ ደቀምሓረ – ዞባ ደቡብ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 3 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6654 በጺሑ’ሎ። 6,608 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 40 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 6 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
09 መስከረም 2021