ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ካብ ኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 3 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6657 በጺሑ’ሎ። 6,614 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 40 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 3 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
13 መስከረም 2021