ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 13 ዜጋታት ካብ ኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 4 ካብ ዞባ ማእከል፡ 2 ድማ ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ብጠቕላላ 6 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6722 በጺሑ’ሎ። 6,635 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 42 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 45 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
30 መስከረም 2021