ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላትን መመርመሪ መደበራትን ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 3 ዜጋታት ካብ ኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ካብዚኦም፡ እቶም 2 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ተዓቚቦም ዝጸንሑ ክኾኑ ከለዉ፣ ሓደ ድማ ኣብ መመርመሪ መደበራት ብዝተገብረ መርመራታት መልከፍቱ ዝተረጋገጸ’ዩ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ዝጸንሑ 2 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6737 በጺሑ’ሎ። 6,668 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 42 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 27 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
8 ጥቅምቲ 2021