Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላትን መመርመሪ መደበራትን ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላባራቶሪ መርመራታት፣ 3 ዜጋታት ካብ ኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብዚ’ኦም፣ እቲ ሓደ ኣብ መወሸቢ ማእከል ተዓቑቡ ዝጸንሐ፣ እቶም 2 ድማ ካብ መመርመሪ መደበራት’ዮም።

በዚ መሰረት፣ ጠቕላላ ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6767 በጺሑ’ሎ። 6,676 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፣ 44 ብሞት ዝተፈልዩ፣ 47 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቑቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

15 ጥቅምቲ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More