Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ መደበራት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ ካብ ኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ ሓውዩ ክፋኖ እንከሎ፣ ወዲ 78 ዓመት ካብ ዞባ ማእከል ብሞት ተፈልዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6774 በጺሑ’ሎ። 6,677 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 45 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 52 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

17 ጥቅምቲ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More