ሎሚ ኣብ ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላባራቶሪ መርመራታት፣ 3 ዜጋታት ካብ ኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ከኣ፣ 2 ካብ መመርመሪ ማእከላት ክኾኑ ከለዉ፣ ሓደ ድማ ተወሺቡ ዝጸንሐ’ዩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቑቦም ክንክን ክግብረሎም ዝጸንሑ፣ 2 ካብ ዞባ ማእከል፣ ሓደ ድማ ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብጠቕላላ 3 ዜጋታት፣ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፣ ጠቕላላ ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፣ ክሳብ ሎሚ 6798 በጺሑ’ሎ። 6717 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፣ 45 ብሞት ዝተፈልዩ፣ 36 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቑቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
26 ጥቅምቲ 2021