Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላባራቶሪ መርመራታት፣ 2 ዜጋታት ካብ ኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቑቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 2 ዜጋታት፣ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፣ ጠቕላላ ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፣ ክሳብ ሎሚ 6800 በጺሑ’ሎ። 6,719 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፣ 45 ብሞት ዝተፈልዩ፣ 36 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቑቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

27 ጥቅምቲ 2021  

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More