Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 6 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብ’ዚኦም፡ እቶም 3 ካብ ኣስመራ – ማለት 2 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ ሓደ ድማ ካብ መመርመሪ ማእከል ክዀኑ ከለዉ፡ እቶም 3 ድማ ኣብ ዓሰብ – ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 2 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 6806 በጺሑ’ሎ። 6,721 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 45 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 40 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

 28 ጥቅምቲ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More