ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 21 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ከኣ፡ 10 ካብ ዞባ ማእከል፣ 6 ካብ ዞባ ደቡብ – ማለት 5 ካብ ዓዲ-ዃላ፡ ሓደ ድማ ካብ መንደፈራ፣ ከምኡ’ውን 5 ካብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 4 ካብ ናቕፋ፡ ሓደ ድማ ካብ ባጽዕ እዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 5 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 6881 በጺሑ’ሎ። 6,741 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 45 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 95 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
03 ሕዳር 2021