Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ደቡብ፡ ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 16 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ከኣ፡ 11 ካብ ዞባ ደቡብ – ማለት 3 ካብ ድባርዋ፡ 3 ካብ ዓዲ-ዃላ፡ 2 ካብ መንደፈራ፡ 2 ካብ ደቀምሓረ፡ ሓደ ድማ ካብ ማይ-ምነ፣ 4 ካብ ኣስመራ – ማለት 3 ካብ መመርመሪ ማእከላት፡ ሓደ ከኣ ካብ መወሸቢ ማእከል፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መወሸቢ ማእከል ከረን – ዞባ ዓንሰባ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 13 ካብ ዞባ ደቡብ፡ 3 ካብ ዞባ ማእከል፡ ሓደ ከኣ ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ብጠቕላላ 17 ዜጋታት፡ ሓውዮም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ወዲ 80 ዓመት ካብ ዞባ ማእከል ድማ ብሞት ተፈልዩ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 6943 በጺሑ’ሎ። 6,770 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 46 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 127 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

 06 ሕዳር 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More