Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 26 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 15 ካብ ዞባ ማእከል፡ ማለት 6 ካብ መወሸቢ ማእከላት፡ 9 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ሕምብርቲ፡ ጸጸራት፡ ሰምበል፡ ቊሸት፡ ገጀረት፡ ማእከል ከተማ፡ ቪላጆ፡ ሰኒታን ማይ-ነፍሕን፣ 11 ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 6 ኣብ ዓዲ-ዃላ፡ 2 ኣብ መንደፈራ፡ ሓደ ኣብ እምኒ-ሓይሊ፡ ሓደ ኣብ እንዳገርግስ፡ ሓደ ከኣ ኣብ ማይ-ምነ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ – 4 ካብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ 3 ካብ ዞባ ማእከል፣ 3 ድማ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብጠቕላላ 10 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7039 በጺሑ’ሎ። 6,836 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 48 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 155 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 12 ሕዳር 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More