Business is booming.

መዘኻኸሪ : ምዝናይን ሸለልትነትን ዋጋ ከየኽፍለና!

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብኮሮና ቫይራስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ጠቕላላ ብዝሒ ኣስታት 253 ሚልዮን፣ ናይ ዝሞቱ ሰባት ድማ ናብ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዓሪጉ ኣሎ። እዚ ዘስደምም ኣሃዛት’ዚ፡ ምስ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓመት’ውን እንደገና ብዘሻቕል ናህሪ ዝወሰኸ ቁጽሪ ሞት ክነጻጽር እንከሎ፡ ንሓደገኛነት ናይ’ቲ ቫይረስን በብእዋኑ ዝጫጭሑ ዘለዉ ብኣልፋ፡ ቤታ፡ ጋማን ደልታን ዝተሰምዩ ሓደስቲ ጅራቱን ዘጉልሕ እዩ።

 ኣብ ኤርትራ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይራስ ንምግታእ፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ዝተሓወሶ ተሪርን ሰፊሕን ናይ ምክልኻል ስጒምቲ ብኣጋ ሳላ ዝተወስደ፡ ዋላ’ኳ እቲ መጠን መልከፍቲ፡ ምስ ግዜ፡ ክብ ለጠቕ ዝብል እንተዀነ፡ ዝርግሔኡ፡ ብኹሉ ዓለማውን ዞባውን መለክዒታት፡ ኣዝዩ ትሑት’ዩ ጸኒሑ ክበሃል ይከኣል። ካብ’ቲ ዛጊት ዝተመዝገበ 7 ሽሕ መጠን መልከፍቲ፡ እቶም 97 ሚእታዊት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ መጠን ሞት ብገምጋም ትሕቲ 0.7 ሚእታዊት’ዩ ዘሎ። በዚ ድማ፡ ሳላ’ቲ ዝተወስደ ዕቱብ ስጉምቲ፡ ህዝብና ካብ መቕዘፍቲ ክድሕን ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ዘሕብን ውጽኢት’ዚ ዘላቕነት ዝረክብ ግን፡ ኩሎም ዝወጹ ቅጥዕታት ብምልኣትን ብቐጻልነትን ምስ ዝትግበሩ ጥራይ እዩ።

ናይ ሓያሎ ሃገራት ተመኩሮን ህልዊ ኩነታተንን ምስ እንዕዘብ’ውን፡ እንተላይ ናይተን ክታበት ብሰፊሑ ኣተኣታቲና ነቲ ለበዳ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ኣውሪድናዮ ኢና ብምባል ናይ ምፍዃስ ስጉሚትታት ዝወሰዳን ዝተዛነያን ሃገራት፥ ምስ ምኽሳት ቅልጡፍ ናይ ምልባዕ ባህሪ ዘለዎም ሓደስቲ ጅራትን ምእታው ዝሑል ወቕቲን፡ ንሳልሳይን ራብዓይን ማዕበላት ለበዳን፡ ተወሳኺ ሰብኣዊ ክሳራታትን ተቓሊዐን ኣሎዋ።

ኣብ ሃገርና ድማ፡ ምስ ምፍዃስን ምልዓልን ጸኒዑም ዝጸንሑ ሕጋጋት፡ ዜጋታትን ትካላትን ንመምርሒታት ምክልኻል ኮሮና ቫይራስ በብቕሩብ ሸለል ክብልዎን ክጥሕስዎን ይርኣዩ ስለዘለዉ፡ ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን ዘሰክፍ ኩነታት መልከፍቲ ይኽሰት ከምዘሎ፡ ዕለታዊ ጸብጻባት ሃገራዊ ላቦራቶሪ የመልክቱ። ከም ኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብገምጋም 4 ዝነበረ ዕለታዊ መጠን መልከፍቲ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ሃገርና፡ 20ን ልዕሊኡን በጺሑ’ሎ። ሓሙሽተ ዕጽፊ ምዃኑ’ዩ። ኣዝዩ ዘሰክፍ ደወል!

ነዚ ተርእዮ ዝያዳ ኣስጋኢ ዝገብሮ፡ እቲ መልከፍቲ፡ ካብ መወሸቢ ማእከላት ንላዕሊ፡ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ይርከብ ምህላዉ’ዩ። እዚ፡ ኣማቲ ናይ ዝበጋገስ ዘሎ ኣሰካፊ ዝርግሔ ናይ’ቲ ለበዳ’ዩ።

ኮሮና ቫይራስ ኣብ ዝሑል ክሊማ – ኣብ ኣየርን ካልኦት መተሓላልፍትን ብተዛማዲ ንነዊሕ ሰዓታት ወይ መዓልታት ስለዝጸንሕ – ብፍላይ ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ቀውዕን ሓጋይን ወቕቲታት (ካብ መስከረም ክሳብ የካቲት) ኣዝዩ ልዑል ጥንቃቐታት ክንገብር ንቕሰብ። ተመክሮ ናይተን በቲ ቫይረስ ዝያዳ ዝተጠቕዓ ሃገራት ምስ እንዕዘብ፡ ኣብ እዋን ዛሕሊ፡ እኹል ኣየር ኣብ ዘይብሉ ዕጹው ቦታ ዝግበር ምትእኽኻባትን ንጥፈታትን፡ ዝያዳ ካልእ እዋን፡ ንመለከፍቲን ለበዳን ናይ’ቲ ቫይረስ ዘራብሕ ባእታ ስለዝኾነ።

ምእንት’ዚ፡ ዝስዕርሩ ዘሎው ቀንዲ ጠንቅታት፡ ማለት፡ ሸለልትነት ኣብ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ‘ማስክ’፣ ዘይምኽባር ዝወጹ ቅጥዕታት ኣብ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፣ ኣብ መርዓ፡ ቀብሪ፡ ሓዘን፡ ንግደትን ካልኦት ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትን፡ ኣብ ኣብያተ-እምነት ዝርአ ጻዕቂ ተሳተፍቲ፣ ኣብ ዕዳጋታትን ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላትን ዝርአ ጠገለ ዝሰኣነ ንቕጥዕታት ኣካላዊ ምርሕሓቕ ዝጥሕስ ምትእኽኻባት፣ ከምኡ’ውን ልዕሊ’ቲ ዝተወሰነ ቁጽሪ ተሳፈርቲ ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ክወገዱ ይግባእ።

ከም’ቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ እቲ ለበዳ ስለዝነሃረ ዝርአ ዘሎ ሸበድበድን ዳግመ ምጽናዕ ተላዒሉ ዝጸንሐ ተሪር ስጒምቲታትን ንምውጋድ እምበኣር፡ ዜጋታት ብ6 ሰነ 2021 ንዝወጸ መምርሒ ብዕቱብ ከተግብሩ ይግባእ። ንምዝኽኻር፦

  • ኩሎም ክውንዘፉ ዘይክእሉ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት – መርዓ፡ ሓዘንን ጥምቀት ወይ ስማያ -ብኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪ፡ ካብ 40 ዘይበዝሑ፡ ብዝከኣል መጠን’ውን ካብዚ ብዝወሓደ ተሳትፎ፡ ይካየዱ። ዳስ ምስራሕ ኰነ ኣዳራሻት ምጥቃም ወይ ምክራይ ክልኩል’ዩ።
  • ኣብ ኣብያተ-እምነት ዝግበር ስነ-ስርዓት’ውን፡ ብኣዝዩ ቅርጥው ተሳትፎን ንናይ ምክልኻል ቅጥዕታት ብምልኣት ብዘተግብርን ኣገባብ ክፍጸም ይግባእ።
  • ኣብ ከተማታትን ገጠራትን፡ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ማስክ ምጥቃም ግዴታ’ዩ። ኣካላዊ ምርሕሓቕ፣ ከምኡ’ውን ጽሬት ኣእዳውን ምምካን ኣቚሑን ብጥብቂ ክዝውተር ይግባእ።
  • ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላትን ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያን፡ ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላውን መነጻጽሂ ምጥቃምን ግዴታ’ዩ።

ነዚ ሕጋጋት’ዚ ኣብ ልዕሊ ዝጥሕሱ ወገናት፡ ተሪር መቕጻዕቲ ክብየን፣ ኣብ ልዕሊ’ተን ቅጥዕታት ዘየኽበራ ትካላት ድማ ናይ ምዕጻው ስጒምቲ ክውሰድ ምዃኑ ደጊምና ንሕብር። ዕቱብ ምኽባር እተጠቕሱ ሕጋጋት፡ ሳልሳይን ብዙሕ ሃሳዪ ጎድንታት ዘስዕብን ተሪር ከፊላዊ ናይ ምርጋጥ ስጉምቲታ ካብ ምውሳድ ስለዘድሕን።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 13 ሕዳር 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More