Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 8 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 5 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት ሓደ ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 4 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከል ኰይኖም፡ 2 ካብ ማእከል ከተማ፡ ሓደ ካብ ሓዝሓዝ፡ ሓደ ከኣ ካብ ዶፖዚቶ፣ ከምኡ’ውን 3 ካብ ከረን ዞባ ዓንሰባ – ማለት ሓደ ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 2 ከኣ ካብ መመርመሪ ማእከል’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ፡ ሓውዩ ተፋንዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7063 በጺሑ’ሎ። 6,863 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 51 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 149 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

15 ሕዳር 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More