Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 15 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 7 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት ካብ ዕዳጋ-ዓርቢ፡ ጣባ፡ ጸጸራት፡ ኣርባዕተ’ስመራ፡ ሰምበል፡ ቀሓውታን ማእከል ከተማን፣ 5 ካብ ዞባ ደቡብ – ማለት 2 ካብ ድባርዋ፡ 2 ካብ ዓዲ-ዃላ፡ ሓደ ድማ ካብ መንደፈራ፣ 2 ካብ ዞባ ዓንሰባ – ማለት ሓደ ካብ ከረን፡ ሓደ ከኣ ካብ ገለብ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ ባረንቱ – ዞባ ጋሽ-ባርካ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 10 ካብ ዞባ ዓንሰባ፡ 3 ድማ ካብ ዞባ ደቡብ፡ ብጠቕላላ 13 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7091 በጺሑ’ሎ። 6,906 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 52 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 133 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 17 ሕዳር 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More