ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 21 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም፡ 17 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት 8 ካብ መወሸቢ፡ 9 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ 2 ካብ ገጀረት፡ ሓሓደ ድማ ካብ ቲራቮሎ፡ ሓድሽ-ዓዲ፡ ጎዳይፍ፡ ቪላጆ፡ ማእከል ከተማ፡ ምህራም-ጭራን ፓራዲዞን፣ 3 ካብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 2 ካብ መንደፈራ፡ ሓንቲ ድማ ካብ ዓዲ-ዃላ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መወሸቢ ማእከል ከረን – ዞባ ዓንሰባ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 9 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ወዲ 83 ዓመት ካብ ዞባ ማእከል ድማ ብሞት ተፈልዩ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7112 በጺሑ’ሎ። 6,915 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 53 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 144 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
18 ሕዳር 2021