Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 21 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 8 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት ሓደ ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 7 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ 3 ካብ ማእከል-ከተማ፡ 2 ካብ ሰምበል፡ ሓሓደ ድማ ካብ ገጀረትን ጸሎትን፣ ከምኡ’ውን 13 ድማ ካብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 9 ካብ ዓዲ-ዃላ፡ 2 ካብ መንደፈራ፡ ሓደ ካብ ዓረዛ፡ ሓደ ድማ ካብ ዓዲ-ቐይሕ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 7 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7133 በጺሑ’ሎ። 6,922 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 53 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 158 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

 19 ሕዳር 2021

 

 

 

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More