Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና  

ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ደቡብ፡ ማእከልን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 23 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 12 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 5 ካብ መንደፈራ፡ 3 ካብ ዓዲ-ቐይሕ፡ 2 ካብ ድባርዋ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ሰገነይትን ዓዲዃላን፣ 9 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት 5 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 4 ከኣ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ካብ መዓስከር ደንደን፡ ኣኽርያ፡ ሞዶሽቶን ካምፖቦሎን፣ ከምኡ’ውን 2 ኣብ ባረንቱን ሃይኮታን – ዞባ ጋሽ-ባርካ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 40 ዜጋታት፡ ማለት 30 ካብ ዞባ ማእከል፡ 10 ድማ ካብ ዞባ ደቡብ ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ወዲ 70 ዓመት ካብ ዞባ ማእከል ብሞት ተፈልዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7156 በጺሑ’ሎ። 6,962 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 54 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 140 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 20 ሕዳር 2021

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More