Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 19 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 13 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት 5 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 8 ከኣ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ 2 ካብ ቲራቮሎ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ኣርባዕተ’ስመራ፡ ማይ-ተመናይ፡ ገጀረት፡ ሰምበል፡ ፓራዱባን ሕምብርትን፣ ከምኡ’ውን 6 ካብ መመርመሪ ማእከል መንደፈራ – ዞባ ደቡብ’ዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7175 በጺሑ’ሎ። 6,962 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 54 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 159 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

21 ሕዳር 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More