Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 27 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 10 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት 3 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 7 ከኣ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ሓሓደ ካብ ኣርባዕተ’ስመራ፡ ቀሓውታ፡ ማእከል-ከተማ፡ ጎዳይፍ፡ ፓራዲዞ፡ ገጀረትን ዓዲ-ጎምቦሎን፣ 16 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 5 ካብ ዓዲ-ቐይሕ፡ 5 ካብ ድባርዋ፡ 4 ካብ መንደፈራ፡ ሓደ ካብ ሰንዓፈ፡ ሓደ ድማ ካብ ዓዲ-ጉልቲ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከላት ከረን – ዞባ ዓንሰባ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 16 ካብ ዞባ ማእከል፡ 16 ድማ ካብ ዞባ ደቡብ – ብጠቕላላ 32 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ወዲ 96 ዓመት ካብ ዞባ ደቡብን ወዲ 93 ዓመት ካብ ዞባ ዓንሰባን ብሞት ተፈልዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7250 በጺሑ’ሎ። 7014 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 57 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 179 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

24 ሕዳር 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More