Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 19 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 7 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል – ማለት 2 ካብ ገጀረት፡ ሓሓደ ድማ ካብ ዓዲ-ንፋስ፡ እንዳቦንድ፡ ባርጅማ፡ ኣባሻውልን ገዛባንዳን፣ 9 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 3 ካብ መንደፈራ፡ 2 ካብ ዓዲ-ዃላ፡ ሓሓደ ድማ ካብ እምኒ-ሓይሊ፡ ዓዲ-ቐይሕ፡ ዓረዛን ዓዲ-ሰልዳይትን፣ ከምኡ’ውን 3 ካብ ዞባ ዓንሰባ – ማለት 2 ካብ መወሸቢ ማእከላት ሓመልማሎን ከረንን፡ ሓደ ድማ ካብ መመርመሪ ማእከል ከረን’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 5 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ወዲ 77 ዓመት ካብ ዞባ ማእከል ድማ ብሞት ተፈልዩ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7269 በጺሑ’ሎ። 7019 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 58 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 192 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

25 ሕዳር 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More