Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ደቡብ፡ ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 20 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 10 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 6 ካብ ማይ-ድማ፡ 2 ካብ ድባርዋ፡ ሓደ ካብ ዓረዛ፡ ሓደ ድማ ካብ መንደፈራ፣ 8 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት 5 ካብ መወሸቢ ማእከላት፡ 3 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም – ኣድራሻኦም ሰምበል፡ ዓሰብን ዓዲ-ዃለን፣ ከምኡ’ውን 2 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ዓንሰባ – ማለት ሓደ ካብ ሓመልማሎ፡ ሓደ ድማ ካብ ዒላበርዕድ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 24 ካብ ዞባ ደቡብ፡ 4 ድማ ካብ ዞባ ማእከል – ብጠቕላላ 28 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7305 በጺሑ’ሎ። 7076 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 60 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 169 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

27 ሕዳር 2021

 

 

 

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More