Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 13 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 5 ካብ መወሸቢ፡ 8 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም – ኣድራሻኦም ገዛ-ባንዳ፡ ዕዳጋ-ሓሙስ፡ ማይጭሆት፡ ጎዳይፍ፡ ማእከል-ከተማ፡ ኣርባዕተስመራ፡ ከምኡ’ውን ዓዲ-ቐይሕን መንደፈራን’ዩ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 8 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7318 በጺሑ’ሎ። 7084 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 60 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 174 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

28 ሕዳር 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More