ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ደቡብ፡ ማእከልን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 17 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም፡ 11 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 4 ካብ መንደፈራ፡ 2 ካብ ዓረዛ፡ 2 ካብ ዓዲ-ዃላ፡ 2 ካብ እንዳገርግስ፡ ሓደ ድማ ካብ ማይ-ድማ፣ 5 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት 2 ካብ መወሸቢ ማእከላት 3 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም – ማእከል ከተማ፡ ሰታንታኦቶን ስፔስን፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከል ባረንቱ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 12 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7358 በጺሑ’ሎ። 7096 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 60 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 102 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
30 ሕዳር 2021