Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 35 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 25 ካብ ዞባ ማእከል ማለት 10 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 15 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም – 4 ካብ ቲራቮሎ፡ 2 ካብ ገጀረት፡ 2 ካብ ማይ-ተመናይ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ማእከል-ከተማ፡ መዓስከር ደንደን፡ ዓዲ-ቀ፡ ገዛ-ብርሃኑ፡ እንዳ-ጀርመን፡ ኣባሻውልን ተሰነይን፣ 7 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 5 ካብ ማይ-ምነ፡ 2 ድማ ካብ መንደፈራ፣ 2 ካብ መመርመሪ ማእከላት ማይህመትን ጊንዳዕን – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከል ባረንቱ – ዞባ ጋሽ-ባርካ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 19 ካብ ዞባ ማእከል፡ 14 ካብ ዞባ ደቡብ፡ 2 ድማ ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብጠቕላላ 35 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7393 በጺሑ’ሎ። 7131 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 60 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 202 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

 01 ታሕሳስ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More