ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 13 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም፡ 8 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት 4 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 4 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም – ኣኽሪያ፡ ኣባሻውል፡ መዓስከር ደንደንን ቲራቮሎን፣ ከምኡ’ውን 5 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ዓንሰባ – ማለት 2 ካብ ሓጋዝ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ዒላበርዕድ፡ ዓዲ-ተከሌዛንን ሓመልማሎን ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 28 ካብ ዞባ ደቡብ፡ 7 ድማ ካብ ዞባ ማእከል፡ ብጠቕላላ 35 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7629 በጺሑ’ሎ። 7404 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 63 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 162 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
11 ታሕሳስ 2021