ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 10 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ 8 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም – 2 ካብ መዓስከር ደንደን፡ ሓሓደ ድማ ካብ ገጀረት፡ ሰምበል፡ ማይ-ተመናይ፡ ሓዝሓዝ፡ ኣርባዕተስመራን ጊንዳዕን፣ ከምኡ’ውን 2 ካብ መመርመሪ ማእከላት መንደፈራ – ዞባ ደቡብ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 12 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7656 በጺሑ’ሎ። 7440 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 63 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 153 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
13 ታሕሳስ 2021