ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 24 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ 5 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 19 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 3 ካብ ጎዳይፍ፣ 2 ካብ ማእከል-ከተማ፣ 2 ካብ ቀሓውታ፣ ከምኡ’ውን ሓሓደ ካብ ኣልፎሮማዮ፡ ጸጸራት፡ ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ ሰረጀቓ፡ ፓራዱባ፡ ፓራዲዞ፡ ዓዲ-ኣበይቶ፡ ዕዳጋ-ሓሙስ፡ ሰምበል፡ ዓላ፡ ኣውጋሮን ባረንቱን‘ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 7 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7853 በጺሑ’ሎ። 7616 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 72 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 165 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
24 ታሕሳስ 2021