Business is booming.

ንወያነ ምድሓን፡ ዘይከኣል ዕማም!

ኣብ ሕብረተሰብና፡ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝብል፡ ረዚን ትርጉም ዘለዎ ምስላ’ሎ። ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋ፣ በደል ኣብ ልዕሊ በደል፣ ሓጥያት ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ንዝደራርብ – ወትሩ ዘይእረም ግናይ ባህሪያት ንምግላጽ ዝዝውተር ምስላ እዩ። እዚ ባህሪያት’ዚ፡ ኣብ ውልቀ-ሰብ ጥራይ ዝርአ ኣይኮነን። ከምኡ ዓይነት ባህርያት ዘለዎ ጉጅለ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ መንግስቲ’ውን ይርከብ’ዩ።

ብስም “ብሄራዊ ወጽዓ ህዝቢ ትግራይ” ናብ በረኻ ካብ ዝወጸላ ዕለት ኣትሒዙ፡ ክሳብ’ዛ ትልኽ ዝብለላ ዘሎ ናይ ጻዕረ-ሞት ህሞት፡ ንዝበዝሐ ክፋል ናይ’ቲ ኣስታት 46 ዓመታት ዕድመኡ፡ ብዓንዳሪ ባህሪያቱን ስትራተጂካዊ ጌጋታቱን ዝልለን ዝልሎ ዘሎን ጃንዳ ወያነ፡ ናይ’ዚ ኣብነት’ዩ። እቲ ጠንቂ ድማ፡ ካብ ስነ-ሓሳቡ፡ ፍልስፍናኡን ሒዝዎ ዝነቐለ ነንሕድሕዱ ዝዋቓዕ ዕላማታትን’ዩ ዝብገስ። “ንህዝቢ ትግራይ ካብ ብሄራዊ ወጽዓ ነጻ ምውጻእ” ዝብል ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ቅቡልን ምኽኑይን ዕላማ ሒዙ ናብ በረኻታት ደደቢት ዝኣተወ ወያነ፡ ኣብ’ቲ ቀዳማይ ዓመት ቃልሱ፡ ሃውቲቱ “ሪፓብሊክ ትግራይ ምምስራት” ብዝብል ዓንዲ-ማእከል ዝቘመ ብታሪኽን ክውንነትን ዘይተደገፈ ማኒፌስቶ ሓንጢጡ ነይሩ’ዩ።

እንተዀነ፡ ማኒፊስቶ ወያነ፡ ካብ ብዙሓት ወገናት ተቓውሞ ምስ ገጠሞ፡ ወያነ ካብ ወግዓዊ መድረኻት ስሒብዎ’ዩ። ኣብ ክንድኡ ድማ፡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ናብ “ምርግጋጽ ብሄራዊ ማዕርነት” ዝቐንዐ ምዃኑ ክገልጽ ጀሚሩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ናይ ቃልሲ፡ “ምምስራት ሪፓብሊክ ትግራይ” ዝብል ኣተሓሳስባ እናደገሶ፡ ኣብ ግብራዊ ስጉምቲታቱ ከንጸባርቖ’ዩ ተራእዩ። እቲ በብእዋኑ ዘንቅዶ ናይ ምስፍሕፋሕ ዝንባለ’ውን፡ ካብ’ዚ ኣብ መንጎ “ምምስራት ሪፓብሊክ”ን “ምርግጋጽ ማዕርነት”ን ዝላኻዕ መርገጺታቱ ዝምንጩ እዩ።

ወያነ ክሳብ ፈለማ 90ታት ናብ ኢትዮጵያ ዝዓለመ ንጹር ፖለቲካዊ ፕሮግራም ነይሩዎ ክበሃል ኣይከኣልን። ውድቀት ስርዓት ደርግ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣብ ዝተጋህደሉ መድረኽ ከኣ፡ ነቶም ካልኦት ኣብ ቃልሲ ዝጸንሑ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝጥርንፍ ልፍንቲ ብምቛም፡ መንበረ ስልጣን ኣዲስ ኣበባ ንምሓዝ ነቒሉ። መንበረ ስልጣን ድሕሪ ምጭባጡ ከኣ፡ ከፋፊልካ ንምግዛእ ምእንቲ ኽጥዕሞን ገባቲ ሸውሃቱ ንምርዋይን ደቂቕ ክንሱ ፍሩይ ንምምሳልን፡ ንኢትዮጵያ ብብሄርን ብሄረሰባትን ዝጐዛዚን ዘዳኽምን “ፈደራሊዝም” ዝተጠመቐ ብግብሪ ግን ዓሌታዊ ምትፍናን ዝፈጠረ ናይ ዘርኢ ፖለቲካ ብምዝራእ፡ ጽልኢን ዓሌታዊ ኣተሓሳስባን ዝሕላገቱ ወለዶ ኣፍርዩ። ነቲ ናይ ምንጻል ሕልሙ ንምስሳይ ንኽጥዕዎ ድማ፡ “መሰል ርእሰ-ውሳነ ክሳብ ምንጻል” ዝብል ዓንቀጽ 39 ኣብ ሰነድ ሕገ-መንግስቲ ከምዝሰፍር ገይሩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ልዕልና ሓደ ብሄር ብምስባኽ፡ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ኣሕዋቱ ኢትዮጵያውያንን ጐረቤቱ ህዝቢ ኤርትራን፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዘይሓዊ ቂም ሸሚምዎ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዝለሓዄ 93 ገጻት ዝሓዘ ምስጢራዊ ሰነድ ወያነ ይኹን ምሁራት ተጋሩ ኣብ ዝገበርዎ ምስጢራዊ ርክብ ዝተቓልዐ፡ ጃንዳ ወያነ “ከም ዓብላሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘይተወሰነ ግዜ ስልጣን ክሕዝ፣ እዚ ምስ ዘይከኣል ድማ፡ ‘ምቛም ሪፓብሊክ ትግራይ’ ንዝብል ካልኣይ ኣማራጺ ምስዓብ” ዝብል ሕዱር ማንታ ኣተሓሳስባ’ዩ።

ምስ’ዚ ዝተኣሳሰረ፡ ገለ ካብ’ቲ ጃንዳ ወያነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ስትራተጂካዊ ጌጋታት ምስ እንርኢ፦

  • ድሕሪ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ፡ ብደምን ረሃጽን ህዝቢ ኤርትራ ንዝተረጋገጸ ናጽነት ኤርትራ ንምቕልባስ፡ ብግዳማዊ ነድኢ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቅሉዕ ናይ ጐበጣ ወራር ኣካዪዱ – ብኣዋጅ። እዚ ኣብ 1998 ገሃድ ዝወጸ እኩይ ዕላማ፡ ኣቐዲሙ ዝሕሰበሉ ዝነበረ ምዃኑ፡ ሰበ-ስልጣን ናይ’ቲ ጃንዳ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት በጨቕ የብልዎ ነይሮም’ዮም። ካብ’ቲ ብዙሕ ኣብነታት፡ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቱ – ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትት፡ “ኣብ 1996 ናይ ሕጊ ትምህርቲ ኣብ ዝከታተለሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ዓሰብ ከመይ ጌራ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ከም እትኣቱ አጽንዕ ነይረ።” ክብል ዝሃቦ መግለጺ፡ ጫፍ ናይ’ቲ እምባ-በረድ’ዩ።
  • ንነዊሕ ዓመታት – አረ ንዘመናት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝቕመጡ ዝነበሩ ልዕሊ 70 ሽሕ ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቈል ዘለዎም ኢትዮጵያውያንን፡ “ሰለይቲ” ኣጠሚቑ፡ ብረሃጾም ንዘጥረይዎ ንዋይን ሃብትን ራስዩን ሰብኣዊ መሰላቶም ነፊጉን – ሰጒጉ።
  • እቲ ብዶብ ተሳቢቡ ዝተኻየደን ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለን ኣዕናዊ ኲናት፡ ኣብ 2002 ብኣህጉራዊ ብይን መኸተምታ ምስ ተገብረሉ፡ ካብ ምትግባሩ ብምሕንጋድ፡ ንክልቲኡ ህዝብታት ብናይ “ኣይሰላም ኣይኲናት” ኩነታት ንኣስታት 20 ዓመታት ጅሆ ኣብ ርእሲ ምሓዙ፣ ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቱ ዓንኬል ውዲት ብምፍጣርን መርበባት ብምዝርጋሕን፡ “ንኤርትራ ኣዳኺምካ ከም ድሌትካ ንምግባራ” ከምኡ’ውን “ስርዓት ንምቕያር” ካብ ዝብል ጣቋ፡ ዓቕሚ ኤርትራ ንምዝቋቚን ብቚጠባ ንምድኻማን፡ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ በደል ፈጺሙ።
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ንዝተኸተመ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ንምስፋን ዝዓለመ “ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን” ካብ ትግባረ ንምዕንቃጽ፡ ዝተፈላለየ ሸርሒታት ፈጺሙ።
  • ጃንዳ ወያነ፡ ብ3 ሕዳር 2020 ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ ቃጻ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ነቲ “ድሕሪ መረጻ፡ ሓዲኣ’ላ ብዛላምበሳ” ዝብል ኣቐዲሙ ዝደረሶ ኣማቲ ዜማታቱ፡ ብመጥቃዕቲ ሚሳይል ኣብ ልዕሊ ኣስመራ ገሃድ ገይርዎ።

እከይ ተግባራት ወያነ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከይተሓጽረ፡ ብቐንዱ ብድፍኢት ኣመሪካ ንሶማልያ’ውን ኣረኻኺቡላ’ዩ። እታ ሃገር ረጊኣ ልኡላውነታ ዓቂባ ንኸይትጓዓዝ፡ ወተሃደራዊ ጣልቃ ብምእታውን ብስም “ዓቃብ ሰላም” ሰራዊቱ ብምውፋርን ኲናት ሓድሕድ ብምስዋር፡ ኣብ’ታ ሃገር ርግኣት ንኸይሰፍን፡ ለይትን መዓልትን ሰሪሑ’ዩ።

እዚ ግዳይ ስነ-ሓሳቡን ፍልስፍናኡን ብምዃን፡ ድሕሪ ናይ ኣስታት 30 ዓመታት ዕንደራ ኣብ ኣፈፌት ሓመድ-ድበ ዝርከብ ጃንዳ፡ ብየማን ይኹን ጸጋም ባላ ደጊፍካ ክሰረሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ’ዩ ዘሎ። ኣሸቀልቱ ሓይልታት፡ ሓንሳብ ብ“ሰብኣዊ ሓገዝ”፣ ካልእ ግዜ ድማ “ጃምላዊ ህልቂት” ብዝብል ጽውጽዋይ፡ ብሓይሊ መጋበርያኦም ዝዀና ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ብዝተደገፈ ቅሉዕን ብሉይን ሜላታት፡ ንምድሓኑ ዝገብርኦ ናይ ጽዑቕ ክንክን ፈተነ፡ ፋይዳ ዝርከቦ ኣይኰነን። ካብ ቀንዲ ግዳያት ናይ’ዚ ኹሉ ዓንዳሪ ስነ-ሓሳብን ፍልስፍናን ወያነ፡ ደቁን ጸጋታቱን ዝገበረ ህዝቢ ትግራይ’ውን ስለዝዀነ፡ እቲ ፋይዳ ዘይተረኽቦ ማንታ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ተገንዚብዎ ስለዘሎ፡ በቃ ንዕንደራ! ክብል ይግባእ።

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More