ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 29 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ 23 ካብ ዞባ ማእከል ማለት 6 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 17 ከኣ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 3 ካብ ጎዳይፍ፡ 2 ካብ ገዛባንዳ፡ 2 ካብ ሰታንትኦቶ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ማእከል-ከተማ፡ ሓዝሓዝ፡ ማይተመናይ፡ ማይ-ጭሆት፡ ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ ቊሸት፡ ቀሓውታ፡ ገዛ-ኸኒሻ፡ እንዳ-ቦንድን ቢሻን፣ ከምኡ’ውን 6 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 5 ካብ መንደፈራ፡ ሓደ ድማ ካብ ዓዲ-ቐይሕ‘ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 20 ካብ ዞባ ማእከል፡ 17 ካብ ዞባ ደቡብ፡ 11 ካብ ዞባ ዓንሰባ፡ 2 ድማ ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብጠቕላላ 50 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7931 በጺሑ’ሎ። 7711 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 73 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 157 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
28 ታሕሳስ 2021