Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ዓንሰባን ደቡብን  ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 29 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 20 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 2 ካብ እምባጋልያኖ፡ 2 ካብ ሰምበል፡ 2 ካብ ቲራቮሎ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ሓዝሓዝ፡ ጎዳይፍ፡ ዓዲ-ኣቤቶ፡ ማእከል-ከተማ፡ ገዛ-ባንዳ፡ ዓዲ-ገብራይ፡ ወኪ-ድባ፡ ገጀረት፡ ጣባ፡ ቀሓውታ፡ ጸጸራት፡ ዓዲ-ጓዕዳድ፡ ቪላጆን ከረንን፣ 6 ካብ ዞባ ዓንሰባ – ማለት ሓደ ካብ መወሸቢ ማእከል ከረን፡ 5 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ዒላበርዕድ፣ ከምኡ’ውን 3 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 2 ካብ ዓዲ-ቐይሕ፡ ሓደ ድማ ካብ ደቀምሓረ‘ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 14 ካብ ዞባ ማእከል፡ ሓደ ድማ ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡  ብጠቕላላ 15 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ወዲ 75 ዓመት ካብ ዞባ ማእከል ድማ ብሞት ተፈልዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 8011 በጺሑ’ሎ። 7746 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 76 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 189 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 31 ታሕሳስ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More