ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 14 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ኣድራሻኦም ድማ፡ 2 ካብ ጣባ፡ 2 ካብ ገጀረት፡ 2 ካብ ማእከል-ከተማ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ጸጸራት፡ ዓዲ-ሰጒዶ፡ ኣርባዕተስመራ፡ እንዳ-ጀርመን፡ ማይ-ተመናይ፡ ጻዕዳ-ክርስትያን፡ መዓስከር ደንደን፡ ከምኡ’ውን ተሰነይ‘ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 11 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 8063 በጺሑ’ሎ። 7784 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 76 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 203 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
03 ጥሪ 2022