Business is booming.

ሓተታ : ዓለማዊ ግንባር ኣንጻር ዕብለላን ተጻብኦታትን

ኣብ’ቲ “ታሪኽ ኣብቂዑ’ዩ” ዝብል፡ ንዲናሚክ ታሪኽ ሕብረተሰባት ዝጐሰየ ብድዕተኛ ቅማረ ተመርኲሱ ዝተቐርጸን ንኣጀንዳታትን ረብሓታትን ብኣመሪካ ዝምራሓ ሃገራት ምዕራብ ዘገልግል ዘይምዕሩይ ኣህጉራዊ ስርዓት፡ ንመትከላትን ዕላማታትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምድኻምን ንልዑላዊ ማዕርነት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ብምእታውን፡ ንሰላምን ጸጥታን ዓለምና ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ይርከብ።

እዚ ምስ ምብራኽ ንቕሓት ህዝብታት ዝያዳ ዝቃላዕ ዘሎ ሜላታት ሃገራት ምዕራብ ድማ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሓያል ምትፍናን ፈጢሩ ይርከብ። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ እቶም ንፖለቲካውን ተግባራውን ውሱንነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘግሃዱን ምንጪ ምትፍናናት ሓያሎ ሃገራት ኰይኖም ዘሎዉን ተኸታተልቲ ቅልውላዋት ጸጥታ፡ ኲናት ናጎርኖ-ካራባኽ፡ ዕልዋ ማያንማር፡ ናይ ወርሒ ግንቦት ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን፡ ከምኡ’ውን ቍጽጽር ጣሊባን ንኣፍጋኒስታንን ካልኦትን፡ ገለ ካብቶም ዝጥቀሱ’ዮም።

ባይቶ ጸጥታ፡ ነዞም ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ ክበጽሕ ኣይከኣለን። ስለዚ ኸኣ፡ ኣብቶም ምስ ክብደት ናይቶም ሽግራት ዘይመጣጠኑ፡ ቀንዲ መሳርሒታት መፍትሒ ግርጭታት’ቲ ውድብ ኰይኖም ዘለዉ፡ ልዝብን ንጥፈታት ዓቃብ ሰላምን’ዩ ኣድሂቡ ዘሎ።

ቍጠባዊ መዳይ ናይ’ዚ ዘይቅርዑይ ዓለማዊ ስርዓት’ውን እንተረኣኻ፡ “ኣብ ደው በለለይ ክብለጸልካ” ዝቓንኡ፡ ብስስዐ ዝንዳሕ ቍጠባዊ ሜላታት ዝተመስረተ’ዩ። ኣብ 1990ታትን 2000ን ሊበራላዊ ቍጠባዊ ኣካይዳታት ከም ሞዴልን ኣማራጺ ዘይብሉ – ዘይክማህ ታሪኻዊ ሓቅን ስለዝተራእየ፡ ብዙሓት ሃገራት – ብዙሕ ከይመርመራ – ሓንጐፋይ ኢለን ተቐቢለንኦ’የን። እተን ነቲ መስመርቲ ነጺገን፡ ናታትን ፖሊትካውን ቍጠባውን ሕርያ ዝተኸተላ ድማ፡ ከም ድሑራትን ቅሪት ሕሉፍ መዋእልን ተራእየን።

ኣብ 1997 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር – ቢል ክሊንተን፡ ሃገረ ቻይና ንሊበራላዊ ደሞክራሲ ምንጻጋ ኣብ ግጉይ ሰልፊ ናይ መስመር ታሪኽ ትምርሽ ምህላዋ፡ ብርእሰ-ተኣማንነት ተዛሪቡ ነይሩ። ግናኸ፡ ድሕሪ ቍጠባዊ ምከት ናይ 2008፡ ህዝቢ ዓለም ንቕሓቱ ስለዝበረኸን ኣብ ሊበራላዊ ትረኻ ዝነበሮ እምነት እናበነነ ስለዝኸደን፡ ንሓድሽ ቍጠባዊ ስርዓት የማዕዱ’ሎ።

ኣብ ፈለማ 1990ታት፡ ኣለዉ ዝበሃሉ ሓሰብትን ፖለቲከኛታትን ዓለምና፡ ንዅሉ ዓበይቲ ፖለቲካውን ቍጠባውን ሕቶታት ህዝብታት ክፈትሕ ይኽእል’ዩ፡ ኢሎም ስለዝኣመኑ፡ ነቲ ዛንታ ‘መወዳእታ ታሪኽ’ ከምዘለዎ ተቐቢሎምዎ’ዮም። እቲ ንዅሉ ቍጠባውን ፖለቲካውን ሕማማት ክፈትሕ ከምዝኽእል ዝተዘመረሉ ስነ-ሓሳብ ድማ፡ ናብ ኵሉ ዓለም ከስፋሕፍሕን ንዅሉ ዶባትን ጸገማትን ኣልዩ ንወዲ-ሰብ ናብ ሓደ ግሎባዊ ማሕበረሰብ ዘምጽኦ መሰለ።

ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ዝተቐልቀሉን ኣብ ስልጣን ዝመጹን ጉጅለታት ፖለቲካዊ ህቡብነት፡ ከምኡ’ውን ተርእዮ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ምስ’ቲ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ቊጠባውን ፖለቲካውን ኣካይዳ ዝሳነዩ ኣይኰኑን።

ብሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ ኸኣ፡ ኢንዱስትሪታት ኣመሪካ፡ ዋላ’ውን በቲ ዓብላሊን ንቝጠባ ኣመሪካ ልዑል ደገፍ ዘሎዎን ዶላር ኣመሪካ እናተሓገዛ፡ ምስ’ቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ብቕዓት ሰንዓታት ቻይና ክወዳደራ ኣብ ዘይክእላሉ ደረጃ ስለዝበጽሓ፡ ኢንዱስትሪታት ቻይና ንምድኻም ከም ኣማራጺ ተወሲዱ’ሎ።

ገለ ጸሓፍቲ ከም ዝብልዎ፡ ሰባት ኣብ 1938 ሓደ ካብ ሰለስተ ግሎባውያን ስነ-ሓሳባት ክመርጹ ዕድል ነይርዎም። ኣብ 1968 ክልተ ስነ-ሓሳብ ተሪፈን። ኣብ 1998 ድማ ሓንቲ ስነ-ሓሳብ ጥራይ ሒዙ ተሪፋ። ኣብ 2018 ከኣ ዝዀነ ዝቕልሶ ስነ-ሓሳብ የለን።

ነዚ መልክዑ እናቐያየረ ዝመጽእ ዘሎ ቍጠባውን ፖለቲካውን ሜላታት ሃገራት ምዕራብ ንምምካት ከኣ፡ ኣንጻሩ ዝቐንዐ ሓባራዊ ግንባር ንምምስራት ኣብ ምብግጋስ ዘሎ ይመስል። ሃገራት ቻይና፡ ህንዲ፡ ሩስያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ብራዚልን መስሪተንኦ ዘለዋ ብ‘BRICS’ ዝፍለጥ ጥርናፈ፡ ንቝጠባዊ ዕብለላ ሃገራት ምዕራብ ሚዛን ንምትሓዝ፡ ንዅሉ ዘርብሕ ሓድሽ ቍጠባውን ፖለቲካውን ኣማራጺታት ሃሰው ዝብል’ዩ። እቲ ዳርጋ ንኽልተ ሲሶ ካብ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሓቍፍ ምንቅስቓስ ሻራ ዘብለን ሃገራት’ውን፡ ዳግማይ ናይ ምብርባር ኣንፈታት የርኢ’ሎ። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ’ቲ ኣብ ቤልግሬድ (ሰርብያ) ዘቃንዖ መበል 60 ዋዕላኡ፡ እቲ ውድብ፡ ዘይሻራዊ መትከሉ ከየቀየረ፡ ሓድነትን ምትሕብባርን ኣባል ሃገራት ብምሕያል፡ ኣብ ምዕሩይነትን ፍትሓውነትን ዓለማዊ ስርዓት ዕዙዝ ተራኡ ከበርክትን ኣገዳሲ ሓይሊ ኣብ ዓለምለኻዊ ዝምድናታት ክኸውንን ቈሪጹ ዝተላዕለ ይመስል።

ብዘይካ’ዚ’ውን፡ ተወከልቲ ናይ ሃገራት ኣልጀርያ፡ ኣንጎላ፡ ቤላሩስ፡ ቦሊቭያ፡ ካምቦድያ፡ ቻይና፡ ኩባ፡ ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮርያ፡ ኢኳቶርያል-ጊኒ፡ ኤርትራ፡ ኢራን፡ ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ላኦስ፡ ኒካራጓ፡ ሃገረ ፍልስጤም፡ ሩስያ፡ ሰይንት ቪንሰንት፡ ከምኡ’ውን ግረነዲንስ፡ ሶርያ፡ ከምኡ ድማ ዚምባብወን ቬነዝወላን ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ6 ሓምለ 2021 ናብ’ቲ ውድብ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ወግዓዊ ምጅማርን ምምስራትን “ጉጅለ መሓዙት ንምክልኻል ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት” ኣዊጀን።

እዚ ነቶም ብዓንዳሪ ባህሪ ሃገራት ምዕራብ ዝጠሓሱ ዘለዉ፡ ኣብ ማዕርነታዊ ሽርክነትን ምክብባርን ዝተመርኰሱ መትከላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምክልኻልን ሓባራዊ ድምጺ ንምስማዕን ዝቘመ ምትእኽኻብ፡ ነቲ ኣብ ዕላማታትን መትከላትን ቻርተር ናይ’ቲ ውድብ ሰፊሩ ዝርከብ ኣምራት ውፉያት ዝዀናን ኣብ ኣድማዕን ሓቛፍን ሃናጺ ጽምዶ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምጽውዋርን ዘተን ዝኣምና ሃገራት፡ ኣካል ናይ’ቲ ምትእኽኻብ ክዀና ማዕጾኡ ርሕው ገይሩ’ሎ።

እዚ ፈኸም እናበለ ዝዓቢ ዘሎ ምትእኽኻብ ሃገራት፡ ኣንጻር ዕብለላን ተጻብኦታትን፣ ቍጠባውን ፖለቲካውን ውድቀታት ዘግሃዱ ሓደስትን ነባራትን ሲናርዮታት፣ ፍሽለት ጣልቃታት ሃገራት ምዕራብ ኣብ ጉዳይ ልዑላውያን ሃገራት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኣተኣላልያ ለበዳ ‘ኮቪድ-19’ ዝተራእየ ድኻማትን ንሱ ዘስዓቦ ቍጠባዊ ምርዅማሽን ርኢኻ፡ ትረኻ ‘መወዳእታ ታሪኽ’ ንኻልእ እዋን ዝተሰጋገረ ይመስል።

 

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More