Business is booming.

መዘኻኸሪ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ካብ ዳግማይ ተሪር ስጒምቲታት ንምድሓን!

ለበዳ ‘ኮቪድ-19’፡ ብሰንኪ ቅልጡፍ ናይ ምልባዕን ምጭጫሕን ባህሪ ዘለዎ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮንን ቈራሪ ወቕቲ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክብን፡ ብዓለም ደረጃ ብኣዝዩ ዘሰንብድ ናህሪ ይዓርግን የስፋሕፍሕን ከምዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ መግለጺ ተሓቢሩ ነይሩ’ዩ።

ከም ሳዕቤኑ፡ ክሳብ ናይ ሎሚ ጸብጻባት ከምዘነጽሮ፡ ኣብ ኣመሪካ ዕለታዊ ልዕሊ 300 ሽሕ (ሓድሽ ክብረ-ወሰን ምዃኑ’ዩ)፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ዕለታዊ ካብ 120 ሽሕ ክሳብ 200 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ እናተመዝገበ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ መልከፍቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብ10 ሚልዮን ክብ ብምባል፡ 290 ሚልዮን በጺሑ’ሎ። እዚ፡ ንሓደገኛነት ናይ’ቲ ቫይረስን ሒዝዎ ዘሎ ኣንፈትን ዘመልክት’ዩ።

ኣብ ሃገርና፡ ለበዳ ‘ኮቪድ-19’ ንምግታእ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ከፊላዊ ምርጋጥ ዘጠቓልል ተሪርን ሰፊሕን ናይ ምክልኻል ስጒምቲ – ምስናይ’ቲ ከቢድ ቊጠባውን ማሕበራውን ጸገማቱ – ብኣጋኡ፡ ብቕጽበትን ንዝተናውሐ ግዜን ሳላ ዝተወስደ፡ ዝርግሐ ናይ’ቲ ቫይረስ፡ ብኹሉ ዓለማዊ ይኹን ዞባዊ መዐቀኒታት፡ ኣብ ደሓን ደረጃ ጸኒሑ ክበሃል ይከኣል። ዛጊት – ጠቕላላ ቊጽሪ መልከፍቲ፡ ትሕቲ 8,100 እዩ ዘሎ።

እንተዀነ ግን፡ ምስ’ዚ ሓድሽ ግሎባዊ ክስተትን ኣዝዩ ቈራሪ ወቕትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ዚ ወርሓት’ዚ ዝጽንበሉ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ኣጋጣሚታት፡ ምስፍሕፋሕ ናይ’ቲ ለበዳ ኣዝዩ ኣሰካፊ ክኸውን ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ ኣብ መርዓ፡ ቀብሪ፡ ሓዘንን ሃይማኖታዊ በዓላትን፡ ኩሎም’ቶም ኣቐዲሞም ዝተኣወጁ ናይ ምክልኻል ቅጥዕታት፡ ብዕቱብነትን ብምልኣትን ክትግበሩ ግድነታዊ እዩ። ስለ’ዚ፦

  • ዳስ ምስራሕ ኰነ ኣዳራሻት ምጥቃም ወይ ምክራይ ክልኩል ኰይኑ፡ ኩሎም ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትን ሃይማኖታዊ ጽንብላትን፡ ብዝተኻእለ መጠን ብኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪን ንኹሉ ዘድሊ ቅጥዕታት ምክልኻል ዘማልኡን ክዀኑ ኣለዎም።
  • ኣካላዊ ምርሕሓቕ፡ ከምኡ’ውን ጽሬት ኣእዳውን ምምካን ኣቚሑን ብጥብቂ ክዝውተር ይግባእ።
  • ብፍላይ ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን፡ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ማስክ ምጥቃም ግዴታ’ዩ።
  • ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላትን ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያን፡ ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላውን መነጻጽሂ ምቕራብን ምጥቃምን ግዴታ’ዩ።

ከም’ቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ እቲ ለበዳ ስለዝነሃረ ዝርአ ዘሎ ሸበድበድን ዳግማይ ምጽናዕ ተላዒሉ ዝጸንሐ ተሪር ስጒምቲታትን ሃሳዪ ጐድንታት ዘለዎ ምርጋጥን ንምውጋድ እምበኣር፡ ዜጋታትን ትካላትን፡ ነቶም ቅጥዕታት ብምልኣትን ብዕቱብነትን ከተግብሩ ኣለዎም።

እቲ ጉዳይ፡ ንሓይልታት ጸጥታ ዝግደፍ ኣይኰነን። እቲ ሓላፍነት ብቐንዱን ብቐዳምነትን፡ ንነፍሲ-ወከፍ ዜጋን ንኹለን መንግስታውን ብሕታውን ትካላትን ዝምልከት ስለዝዀነ፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዕቱብ ክሕዝዎ፡ ንኹሉ’ቲ ናይ ምክልኻል ሕጋጋት ድማ ብጥብቂ ከተግብርዎ ይግባእ።

ሓይሊ ዕማም ሚኒስትሪ ጥዕና

04 ጥሪ 2022

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More