Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብ፡ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 84 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 77 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት 7 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 70 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም – ኣኽሪያ፡ ኣርባዕተስመራ፡ ኣባሻውል፡ ቲራቮሎ፡ በሪኽ፡ ዕዳጋ-ሓሙስን ጎዳይፍን፣ 4 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ፣ 2 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ዓንሰባ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 32 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 8419 በጺሑ’ሎ። 7993 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 82 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 344 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

10 ጥሪ 2022

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More