Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ዓንሰባ፡ ደቡብን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 23 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

 

ንሳቶም ድማ፡ 12 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም – ቀሓውታ፡ ማይ-ተመናይ፡ እምኒ-ሓይሊ፡ ዓዲ-ቐይሕ፡ መንደፈራ፡ ባጽዕን ከረንን፣ 5 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ዓንሰባ – ማለት 4 ካብ ሃበሮ፡ ሓደ ድማ ካብ ዓዲ-ተከሌዛን፣ 5 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 3 ካብ ሰንዓፈ፡ ሓሓደ ድማ ካብ መንደፈራን ዓዲ-ቐይሕን፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከል ባረንቱ – ዞባ ጋሽ-ባርካ’ዮም።

 

 

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 26 ካብ ዞባ ማእከል፡ 21 ካብ ዞባ ደቡብ፡ 2 ድማ ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብጠቕላላ 49 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ወዲ 78 ዓመት ኣቦ ካብ ዞባ ደቡብ ድማ ብሞት ተፈልዩ።

 

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,559 በጺሑ’ሎ። 9,265 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 99 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 195 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

    ሚኒስትሪ ጥዕና

    01 ለካቲት 2022

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More