Business is booming.

መደረ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ መበል 35 ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ

ዝኸበርካ ኣቦ-መንበር

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ፈለማ፡ ምስ’ቶም ኣቐዲሞም ቃሎም ዘስምዑ ተጸንቢረ፡ ንመንግስትን ህዝብን ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ስለ’ቲ ምዉቕ ኣቀባብላን እንግዶትን፡ ምስጋና አቕርብ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰላምታን ሰናይ ምንዮት ዓወትን ሓውኹም ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነዚ ክቡር መጋባእያ ከቕርብ ከለኹ’ውን ሓበን ይስመዓኒ።

እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ንኣህጉራዊ ምዕባለታት ብዝምልከት፡ ኣብ ኣዝዩ ወሳኒ መድረኽ’ዩ ዝቃናዕ ዘሎ። እዚ ግዜ’ዚ፡ ኣብ ዓለምና ብዝርአ ዘሎ እልቢ ዘይብሉ ዲናሚካዊ ለውጥታት ሓይልን ጽልዋን፡ ምትህልላኽ ቀንዲ ኣህጉራውያን ሓይልታት ኣብ ቃልዕ ወጺኡ፡ ናይ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ሞዴል እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ዘሎ ይመስል። ምዕባለታት ዩክሬን፡ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና፡ ሓውሲ-ደሴት ኮርያ፡ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ካልእ ርሱን ቦታታትን፡ መርኣያ ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኣንደቕዳቒ ለውጢ’ዩ።

ኣብ’ዚ ኩሉ ከም ኣብነት ዝተጠቕሰ ጉዳያት፡ ኣፍሪቃ ከም ግቡእ ተራኡ ክጻወት ዘይከኣለ ተዓዛባይ ተዓኒዳ፡ ድምጻ ከተስምዕን ረብሓታታ ክትዕቅብን ኣይከኣለትን ዘላ። እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ንሃገራዊ ጸጥታኣን ቊጠባዊ ምዕባለኣን ዝሃሲ ዕቱብን ህጹጽን ጉዳያት’ውን እንተዀነ፡ ተዓዛቢት’ያ ዘላ። ዘይግሃስ መሰላ ንነጻ ፖለቲካዊ ሕርያን ቊጠባዊ ልምዓትን’ውን፡ ብተደጋጋሚ ክባጨወሉን ክብሕጐግን’ዩ ዝርአ።

ግደ ሓቂ፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣፍሪቃ ንርእዮ ዘሎና ክስተታት፡ (ማሊ፡ ጊኒን ቀርኒ ኣፍሪቃን ናይ ቀረባ ኣብነት’ዩ)፣ መርኣያ ናይ’ቲ ምዕራባውያን ሓይልታት፡ ንምዕባለታት ብዓይኒ ረብሓታቶም ንምቕራጽ ዘካይድዎ ዘለዉ ካብ ንዕቀት ዝተላዕለ ተግባራት’ዩ። ብኣጠማምታኦም፡ ኣፍሪቃ ዘቤታዊ ጉዳያታ ንምውሳን ቃል ይኹን ናጽነት የብላን።

እዚ ክውንነት’ዚ፡ ኣብ’ዚ ወሳኒ መድረኽ፡ ሓያሎ ሕቶታት ዘለዓዕል’ዩ። ነቲ ካብ ምምስራት ክፍለ-ዓለማዊ ውድብና – ‘ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ’ ኣብ 1963 ዝሓለፍናዮ ጉዕዞ ስሳ ዓመታት፡ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ብደቂቕ ካብ ምግምጋምን ምእራምን፡ ካልእ ኣማራጺ የለን። ቁጠባዊ፡ ቴክኖሎጂያዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቁመናን ዝናን ኣፍሪቃ፡ ምስ ዕቑር ዓቕሚታታ ከምዝዳረግ ንምርግጋጽን ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ግቡእ ቦታኣ ንኽትሕዝን ድማ፡ ውሁድ ክፍለ-ዓለማዊ ስትራተጂ ምርቃቕ ከድልየና’ዩ።

ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብ25 ግንቦት 1963 ክምስረት ከሎ፡ ዝበለጸ ዓይነት ሂወት ህዝብታት ንምጭባጥ፣ ምትሕግጋዝን ምውህሃድን ንምሕያል፣ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ብጹእነት መሬትን ሃገራት ንምክልኻል ወይ ንምሕላው፣ ከምኡ’ውን – ሽዑ ብዙሓት ናጽነተን ዘይተጐናጸፋ ሃገራት ስለዝነበራ፡ ኩሉ ዓይነታት መግዛእትን ናይ ውሑዳት ጸዓዱ ግዝኣትን ንምጥፋእ’ዩ ነይሩ – እቲ ዕላማ።

እንተዀነ፡ እቲ ካብ ፈለማ እዋን ከም ራእይ ዝተቐመጠ ሃንቀውታታት፡ ዕላማታትን ሸቶታትን ኣይሰመረን። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቲ ራእይ ዘይተመጣጣኒ ወይ ድማ ዘይርጡብ ስለዝነበረ ኣይኰነን። ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ቲ ምምህማንን ፍሽለትን፡ ኣብ መንጐ ባህግን ግብሪን ዝነበረ ዘይምጥዕዓም’ዩ። እዚ ድማ፡ ብሰንኪ ምእዙዝነት ኣፍሪቃ ንግዳማዊ ረብሓታትን ፖለቲካዊ ኣሳሳይነትን ሞግዚትነትን’ዩ። ድሕሪ 38 ዓመታት ከኣ፡ እቲ ውድብ “ነቲ ሃንቀውታን ተልእኾን ኣይበቕዐን” ተባሂሉ፡ ኣብ 26 ግንቦት 2001 ብ“ሕብረት ኣፍሪቃ” ተተኪኡ።

ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዘምጽኦ ዝጥቀስ ፋይዳ የለን። ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጸጥታ – ኣብ ሊብያ ተፈጢሩ ዘሎ ውድቀት፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ናይ’ቲ ውድብ ዘጋጠመ’ዩ። ኣፍሪቃ ሎሚ፡ ብጉልባብ “ምቅላስ ሽበራ”፡ ኣአንጋዲት ጠገለ ዘይብሉ ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ መደበራትን “ግዳማውያን ሓይልታት ጣልቃ”ን ኰይና’ላ። ኣብ ዝበዝሐ ናይ ግጭትን ምስሕሓብን ኩነታት፡ “ጉዳይ ሰላም”፡ ንኣፍሪቃን ውሽጣውያን ዞባውያን መሻርኽትን ብምግላል፡ ብቐዋምነት በቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝንቀሳቐሱ “ኣራኸብቲ ጉጅለታት”ን “ፍሉያት ልኡኻት”ን እዩ ዝመሓደር ዘሎ።

60 ሚእታዊ ካብ ጸጋታት ዓለም ዝግመት ገዚፍ ቁጠባዊ ዓቕሚ ኣፍሪቃ እናተዘምተ፡ ዛጊት ምንጪ ዘቤታዊ ሃብትን ብልጽግናን ብምዃን፡ ንኣፍሪቃ ቀንዲ ደራኺ ሓይሊ ናይ’ቲ ክትበጽሖ ዝግባኣ ደረጃ ክኸውን ኣይከኣለን ዘሎ። ብኣንጻር’ቲ ኣብ ሰባዊ ርእሰ-ማል ዝግበር ገዚፍ ወፍሪ’ውን፡ ኣፍሪቃ ገና ካብ ምፍራይን ምልኣኽን መሰረታውያን ሃለኽቲ ፍሕት ክትብል ኣይከኣለትን ዘላ። ብሕጽር ዝበለ፡ ሓርነት፡ ናጽነት፡ ልኡላውነት፡ ሓድነት፡ ከምኡ’ውን ብጹእነት መሬት፡ ህዝብታታን ሃገራታን እናተጋህሰ፡ ኣፍሪቃ – ሕላገት ጥሜት፡ ቅልውላዋት፡ ኲናት፡ ፍልሰትን ባርነትን ብምዃን፡ ዝተዋሰነት ክፍሊ ዓለም ኰይና ትቕጽል ኣላ።

ኣፍሪቃ ነዚ ኩነታት’ዚ ንምፍዋስ ብሓባር እንተዘይተላዒላን እንተዘይሰሪሓን፡ ናይ መጻኢ ተስፋታትን ዕድላትን ደበንገረ ኰይኑ ክቕጽል’ዩ። እዚ ሕጂ 1.2 ቢልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝባ፡ ዓመታዊ ብገምጋም ብ3 ሚእታዊት ክውስኽ ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት። ክፍሊ ዓለምናን ኣባል ሃገራትን፡ ዲናሚካዊ ዘላቒ ቁጠባዊ ዕብየት ምስ ውሽጣዊ ርግኣት ከረጋግጻ እንተዘይክኢለን ድማ፡ እቲ ኣማሳኒ ተግባራት ጽርረተ-ምሁራንን ፍልሰት መንእሰያትን መግትኢ ክርከቦ ኣይኰነን።

ኣፍሪቃ፡ ካብ ኣንደልሃጺ ጉዕዞ፡ ናብ ጐደና ዘላቕን ምዕሩይን ምዕባለ ክትምለስ እንተዀይና፡ ኣብ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ግጭት ዝተሰረተ ጸቢብ ፖለቲካ፣ ምግላል ዝሰፍሐ ክፋላት ሕብረተሰብ ካብ ምሕደራዊ ቅርጺ፣ ከምኡ’ውን ንዝተዋሰነ ሓፋሽ መሊሱ ዜግልልን ዚድህኽን ቁጠባዊ ፖሊሲታት ምስዓብ፡ ህጹጽ ቈላሕታ ከድልዮ’ዩ።

ነዚ ደርማስ ብድሆታት ንምስጋር እምበኣር፡ ብዙሐ-ጐድናውን ውሁድን ኣተሓሕዛ፣ ማለት ብደረጃ ሃገር፡ ዞባን ክፍሊ-ዓለምን፡ ዘዋጽእ – ኣድማዒ ስትራተጂታት ምርቃቕ ከድሊ’ዩ። ሜላ ወይ ኣገባብ ስሉሳዊ-መስመር ድማ፡ ንጥምረት፡ ምምልላእን ግብራውነትን ናይ’ቲ ዝረቐቐ ስትራተጂታት ከዕዝዝ’ዩ። ስለ’ዚ፡ ንጽምዶ ዓጢቕናን ስትራተጂ ጽምዶ ኣርቂቕናን፡ ንነዊሕ ጉዕዞ – ኣብ ኩሉ ግንባራት ብዕቱብ ክንሰርሕ ግዴታ’ዩ።

ብርግጽ፡ እተን በብዞብኡ ዝቘማ ውድባት ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ከም – SADC፡ IGAD፡ CINSAD፡ ECOWAS፡ ናብ ክፍለ-ዓለማዊ ውህደት ዝወስድ ሰረት ከንጽፋ፡ ዓቢ ተስፋ’ዩ ተነቢሩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ገስጋስን ናይ ምግባር ዓቕሚን ናይ’ዘን ዞባውያን ውድባት፡ ዛጊት ዘዕግብ ኣይኰነን።

እዚ ኩሉ ረቛሒታት’ዚ፡ ንዳግመ-ሕውየት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሓያል ጽምዶ ብምክያድን ኣብ ኩሉ ደረጃታት ሓድሽ ስትራተጂታት ብምርቃቕን፡ ብብዙሐ-ጐድናዊ ኣገባብ፡ ምስ ሓቀኛ ዓቕሚ ኣህጉርና ዝዳረግ ግቡእ ቁጠባውን ፖለቲካውን ሓይሊ እትውንን ኣፍሪቃ ንምህናጽ ዝደፋፍእ’ዩ።

የቐንየለይ!

 

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More