ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኑ፡ ኣድራሻኡ ደቂሽሓይ፣ ሓደ ድማ ካብ መመርመሪ ማእከል ዒላበርዕድ – ዞባ ዓንሰባ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 11 ካብ ዞባ ማእከል፡ 6 ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 3 ድማ ካብ ዞባ ዓንሰባ፡ ብጠቕላላ 20 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,662 በጺሑ’ሎ። 9,454 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 102 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 106 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
11 ለካቲት 2022