ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 2 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኑ፡ ኣድራሻኡ እምባደርሆ፣ ሓደ ድማ ካብ መመርመሪ ማእከል ዓረዛ – ዞባ ደቡብ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 12 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ወዲ 75 ዓመት ካብ ዞባ ዓንሰባ ድማ ብሞት ተፈልዩ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,664 በጺሑ’ሎ። 9,466 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 95 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
12 ለካቲት 2022