Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

 ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 4 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ኣድራሻኦም ድማ፡ ማይ-ተመናይ፡ ሰምበል፡ ደቂሽሓይን ጻዕዳ-ክርስትያንን’ዩ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 4 ካብ ዞባ ማእከል፡ ሓደ ድማ ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብጠቕላላ 5 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,668 በጺሑ’ሎ። 9,471 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 94 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

             ሚኒስትሪ ጥዕና

            3 ለካቲት 2022

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More