Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ ሓደ ካብ ዞባ ማእከል ኰይኑ፡ ኣድራሻኡ ጸጸራት፣ ከምኡ’ውን 6 ካብ ዞባ ዓንሰባ – ማለት 3 ካብ ዒላበርዕድ፡ 2 ካብ ሃበሮ፡ ሓደ ድማ ካብ ሓጋዝ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 27 ካብ ዞባ ማእከል፡ 4 ድማ ካብ ዞባ ዓንሰባ፡ ብጠቕላላ 31 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 9,675 በጺሑ’ሎ። 9,502 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 70 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

   ሚኒስትሪ ጥዕና

 14 ለካቲት 2022

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More