Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ትማሊ ኣብ መወሸቢ ማእከል ባጽዕ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓንቲ ዜጋ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፋ ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 12 ካብ ዞባ ማእከል፡ 6 ድማ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብጠቕላላ 18 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,680 በጺሑ’ሎ። 9,534 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 43 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

16 ለካቲት 2022

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More